ናይ ትኪ ኣላርምታት – እቲ ናይ ትኪ ኣላርም ድምጺ ከስምዕ ከሎ እንታይ ትገብሩ – ካብኡ ምውጻእን 9-1-1 ን

ናይ ትኪ ኣላርምታት ናይ ባርዕ ወይ ትኪ ሓደጋ ከምዘሎ ብምሕባር ናይ ሰብ ህይወት የድሕኑ። ትኪ መርዛም እዩ። ኣብ ግዘ ባርዕ ብዙሕ ሰብ ዝቐትል ንሱ እዩ። እዚ ናይ ትኪ ኣላርም ክጽውዕ ከሎ ከም ዓብዪ ነገር ምቑጻርን ብቕልጡፍ ስጉምቲ ምውሳድን ኣገዳሲ እዩ። ናይ ትኪ ኣላርምታት ብፍጹም ከይትሽፍንዎም፣ ቀለም ከይትቐብእዎም ከይተልዕልዎም። ባትሪታት በቢዓመቱ ክትቅይሩ ከይትርስዑ ወይ እቲ ናይ ትኪ ኣላርም “እንተተበላሽዩ።”

እቲ ናይ ትኪ ኣላርም ድምጺ እንተስሚዑ:
1. ሓዊ ብቕልጡፍ እዩ ዝላባዕ። ብቕልጡፍ ውጹ ኣብ ደገ ድማ ጽንሑ።
2. እንተተኻኢሉ፣ ገዛ ዓጺኹም እቲ ባርዕ ከይወጽእ ግትእዎ።
3. ትኪ እንተጋጢምኩም፣ ናብ መውጽኢ በርኹም ብፍሑኽ ፍሑኽ ኪዱ።
4. ናብቲ ናይ ደገ መተኣኻኸቢ ቦታ ወጺኹም ብዝተኸኣለኩም ፍጥነት 9-1-1 ደውሉ። ኢንግሊሽ ዘይትዛረቡ እንተኾይንኩም ነቲ ኦፕሬተር ቋንቋኹም ንገሩ።
5. ደገ ምወፃአኹም፣ ኣብኡ ጽንሑ። ናብ ዝቃጸል ዘሎ ህንጻ ብፍጹም ተመሊስኩም ኣይትእተዉ።

ክተምልጡ ዘይትኽእሉ እንተኾይንኩም (ኣብ ናይ ኣፓርትመንትታት ቦታ አጽልሉ):
1. ናይ መጀመርያ መውጽኢኹም ሓዊ ወይ ትኪ እንተሸፊንዎ፣ መበል ካልኣይ መምለጢ መገዲኹም ፈትኑ።
2. ኣብ ኣፓርትመንት ትነብሩ እንተኾይንኩም፣ ኣብ መስኮት ዘለዎ ክፍሊ ዕቖቡ። ናብ መስኮትኩም ኬድኩም ኢድኩም ኣውለብልቡ፣ ባርዕ መጥፋእቲ ንክሪእኹም ምእንታይ፣ ከይትኸፍትዎ ግን።
3. ኣብ መንጎ ንስኹምን እቲ ሓዊን ዘለዉ በሪታት ኩሎም ዕጸውዎም። ኣብ ታሕቲ እቲ በሪ ፎጣታት ወይ ኣንሶላታት ግበሩሉ ትኪ ከይኣትወኩም ምእንታይ።
4. እንተኽኢልኩም፣ ናብ 9-1-1 ደዊልኩም ትኽክለኛ ኣድራሻኹም ሓብሩ።


Tags

Seattle Fire Department, Seattle Fire, Seattle Fire Rescue, Seattle Fire Medics, smoke alarm safety, Tigrinya


You may also like

เหคุด่วน เหคร้าย โทรแจ้ง 9-1-1 (Calling 9-1-1 for Emergencies in Thai)

Subscribe to our newsletter now!