ናይ ኢድ ጥራሕ ቀሊል CPR ምፍላጥ ህይወት ከድሕን ይኽእል። ዝኾነ ሰብ ተዘሪሩ ክወድቕ እንተሪእኹምዎ፣ እዞም ዝስዕቡ ስጉምቲታት ተኸተሉ:
1. ናብ 9-1-1 ደውሉ ወይ ናብ 9-1-1 ንኽድውል ካልእ ሰብ ስደድ.
a. ዘለኻዮ ቦታ ፍለጥ
b. ምርካብ ዝከኣል እንተኾይኑ፣ ካልእ ሰብ AED ክረክብ ስደዱ።
c. በይንኹም እንተኾይንኩም ናይ ተሌፎንኩም ስፒከር ዓው ኣብልዎ።
d. ኢንግሊሽ ምዝራብ ዘይትኽእሉ እንተኾይንኩም፣ ነቲ ዲስፓቸር እንታይ ቋንቋ ከምትዛረቡ ንገርዎ። ኣብ ተሌፎንኩም ጽንሑ ስፒከርኩም ድማ ዓው ኣብልዎ።
e. ን 9-1-1 ስምዑ ዝህቡኹ መምርሒታት ድማ ተኸተሉ፣ CPR ንምግባር።
2. እቲ ዝፍጸመሉ ቦታ ውሑስ ምዃኑ ኣረጋግጽ
3. እዚ ሰብ ምላሽ ዘይህብ እንተኾይኑ ወይ ብስሩዕ ዘየተንፍስ ዘሎ እንተኾይኑ – ኣብ ማእገሮም ንኽእ ኣቢልኩም ዓው ኢልኩም “ደሓን ዲኻ። ደሓን ዲኻ በልዎም?” እዚ ሰብ እንተዘይተንቀሳቒሱ፣ እንተዘይተዛሪቡ፣ ዓይኑ እንተዘይኣንቀሳቒሱ ወይ ምንም ነገር እንተዘይጌሩ፣ ምላሽ ኣይህብን ዘሎ ማለት እዩ።
4. ነቲ ሰብ ናብ ደረቕ፣ ቀጥ ዝበለ ቦታ ኣንቀሳቕስዎ።
5. ሓደ ኢድኩም ኣብ ልዕሊ ኢድኩም ደሪብኩም፣ ኣብ ማእኸል ኣፍ ልቡ፣ ኣብ መንጎ ጫፍ ጡቡ ግበርዎ
6. ቀጥታ ልዕሊ እቲ ሰብ ኮይንኩም ኣእዳውኩም ቀጥ ኣቢልኩም ብምቁልላፍ ማእገርኩም ኣንጻብ ኣፍልቡ ግበሩ
7. ኣጻብዕትኹም ቆላሊፍኩም ናይ ኢድኩም ዳሕረዋየ ክፋል ጥራሕ ብምጥቃም ኣብ ማእኸል ኣፍ ልቡ ጽቐጥዎ
8. ንታሕቲ ብሓይሊ ድፍኡ (እንተንኢሱ2 ኢንችታት “5 cm”) ድሕሪኡ ሙሉእ ንሙሉእ ክብደትኩም ካብቲ ኣፍ ልቢ ኣልዕልዎ እቲ ኣፍ ልቢ ደድማ ናብ ዝነበሮ ይምለስ
9. ኣትሪርካን ብፍጥነትን ድፋእ (100-120 ግዘ ብደቒቓ)
10. ክሳብ ሓገዝ ዝመጽእ ደው ከይተብሉ ወይ እንተደኺምኩም ምስ ካልእ ሰብ ተቐያየሩ።

ናይ ኢድ ጥራሕ CPR ብምምሃር ናይ ሰብ ህይወት ክተድሕኑ ትኽእሉ።


Tags

CPR;, Hands-only CPR, Seattle Fire Department, Seattle Fire, Seattle Fire Rescue, Seattle Fire Medics, Tigrinya


You may also like

Subscribe to our newsletter now!